Fana: At a Speed of Life!

ኮሮጆታት መውሃቢ ድምፂ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ናብ ጣቢታት ምርጫ ምጉዕዓዝ ጀሚሮም

0 41

ኣዲስ ኣባበ፣ 4 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሮጆታት መውሃቢ ድምፂ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ናብ ጣቢታት ምርጫ ምጉዕዓዝ ከምዝጀመሩ ቦረድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ክልል ናይ ምዃን ዓሊሙ ዝሳለጥ ምውሃብ ድምፂ 10 ሕዳር ከምዝካየድ ይፍለጥ።

ከም ኣገላልፃ እቲ ቦርድ፥ ኣድመፅቲ ድምፂ ንምሃብ ዘኽእሎም ካርዲ ብሰለማዊ ኩነታት ይወስዱ ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ትማሊ 2 ሚሊየን ሰባት ካርድ ወሲዶም ኣለዉ።

ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት በዝሒ ኣድመፅቲ ብምግጣሙን ካርድ ብእዋኑ ናብቲ ከባቢ ብዘይምብፅሑን ሕፅረት ካርድ ከምዝተፈጠረ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ይኹን እምበር ነቲ ዝካየድ መረፃ ክበሃል 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ካርዲ ከምዝተዳለወ ቦርድ መረፃ ሓቢሩ።

Comments
Loading...