Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ወላይታ ዝብኢ ህይወት ሰለስተ ህፃናት ኣጥፊኡ

0 45

ኣዲስ ኣባበ፣ 04 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ወላይታ ዝብኢ ብዘብፀሖ ጉድኣት ሰለስተ ህፃናት እንትሞቱ ሓንቲ ጓል ክልተ ዓመት ህፃን ድማ ልዑል ጉድኣት በፂሒዋ።

ፖሊስ ከባቢ ሶዶ ወረዳ ዞባ ወላይታ ከምዘፍለጦ፥ እቲ ሓደጋ ዝበፅሐ ኣብታ ወረዳ እትርከብ “ኮዶ ጋውሊያ” እትበሃል ናይ ገጠር ጣብያ ንተኸታታሊ መዓልቲ ሰዓት እናሓለወ ዝመፀ ዝብኢ ብዘብፀሖ ጥቕዓት እዩ።

እቲ ዝብኢ ብዘብፀሖ ጥቕዓት ሰለስተ ህፃናት እንትሞቱ ኣብ ሓንቲ ጓል ክልተ ዓመት ህፃን እውን ልዑል ጉድኣት ምብፅሑ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ወረዳ ኮማንደር ስምኦን ጣዲሶ ተዛሪቦም።

እቲ ዝብኢ፥ ኣብ ቀፃሊ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከየብፅሕ ምስ ህብረተሰብ ብምትሕበባር ስጉምቲ ከምዝውሰድ እውን ኣረዲኦም።

ፍልፍል፡- ግዜኢ

Comments
Loading...