Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ሕማም ሽኮር ሎሚ መዓልቲ ተዘኪሩ ክውዕል እዩ

0 61
ኣዲስ ኣባበ፣ 04 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ሕማም ሽኮር ንመበል 29 ግዘ ሎሚ መዓልቲ ተዘኪሩ ክውዕል እዩ።
 
እቲ መዓልቲ ˝ሕማም ሽኮር ንቤተሰበይ ይምልከት˝ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተሓሲቡ ከምዝውዕል ተገሊፁ።
 
ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ፥ ቁፅሪ ሕሙማት ሽኮር እናተበራኸቱ ምምፅኦም ስዒቡ ተመሓላላፊ ዘይኮኑ ሕማማት ኣካቲቱ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐሉ ምዃኑ ዳይሬክተር ምክልኻል ሕማማት እቲ ሚኒስቴር ወይዘሮ ህይወት ሰሎሞን ተዛሪበን።
 
መዓልቲ ሕማም ሽኮር እንትኽበር ህዝቢ ኣብ ዝበዝሐሎም ከባቢታት ግንዛበ ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ነፃ ግልጋሎት ምርመራ ከምዝወሃብ እውን ገሊፀን።
 
ሕማም ሽኮር ኣብ ዓለም ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ብልዑል ደረጃ እናተስፋሕፈሐ እንትኸውን፥ ምስ ሕማም ሽኮር ካብ ዝነብሩ ሰባት ውሽጢ እቶም 80 ሚኢታዊ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዝርከቡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
 
ፌዴሬሽን ሕማም ሽኮር ዓለም ኣብ 2010 ዓ.ም ዘውፀኦ ሓበሬታ ከምዘርደኦ፥ ኣብ ዓልም 425 ሚሊየን ሰባት ምስቲ ሕማም ይነብሩ።
 
ኣብ ኢትዮጵያ እውን ልዕሊ 3 ሚሊየን ሰባት ሕማም ሽኮር ከምዘለዎም ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።
Comments
Loading...