Fana: At a Speed of Life!

ኬንያ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ምስ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ከምእትደሊ ገሊፃ

0 86

ኣዲስ ኣባበ፣ 02 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኬንያ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ምስ ኢትዮጵያ ብሕበረት ክትሰርሕ ከምእትደሊ ሚኒስትር ቱሪዝም ኬንያ ናጂብ ባላላ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኣይተ መለስ ኣለም ምስ ሚኒስትር ቱሪዝም እታ ሃገር ተዛትዮም።

እቶም ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ንምትሕብባር ዘኽእለንን ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝኽእልን ነናይ ባዕለን ፍሉይ ዓቕሚ ከምዘለወን ገሊፆም።

ክልቲአን ሃገራት ናይ ቱሪዝም ቦታታተን ንምፍላጥ ብምትሕግጋዝን ኣብ መንጎ መጎብነይቲ ትካላተን ምትእስሳር ብምፍጣርን ካብቲ ዓውዲ ተረባሕቲ ክኾና ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ኣምባሳደር መለስ ኣለም ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ብዙሓት ኣማራፂታት ቱሪዝም ከምዘለዉዋ ተዛሪቦም።

ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ንዝግበር ምትሕብባር፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዝገብሮ መዓልታዊ በረራ ልዑል ሓገዝ ከምዝህልዎ ገሊፆም።

እትዮጵያን ኬንያን ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዘቑፀረ ርክብ ከምዘለወን ዝገለፁ ኣይተ መለስ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዘለወን ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክብ ንምባል ከምዝሰርሓ ኣፍሊጦም።

ኣብ ቀፃሊ እዋን ብቦርድ ቱሪዝም ዝምራሕ ልኡኽ ኬንያ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኸይድን ዑደት ከምዝገብርን ናጂብ ባላላ ምግላፆም፥ ካብ ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments
Loading...