Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ዙር መርሃ ግብሪ መሰረታዊ ፓኬጅ ጥዕና ዕላዊ ኮይኑ

0 100

አዲስ አበባ ፣ ህዳር 2 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ካልኣይ ዙር መርሃ ግብሪ መሰረታዊ ፓኬጅ ጥዕና ዕላዊ ገይሩ።

ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዝኾነ እቲ መርሃ ግብሪ፥ ተበፃሕነት ጥዕና ንምስፍሕፋሕን ንምምሕያሽ ጥዕና ዜጋታትን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ኣሚን ኣማን ገሊፆም።

ዜጋታት ፍትሓዊን ፅሬት ዘለዎን ግልጋሎት ሕክምና ብዝተሓተ ዋጋ ክረኽቡ ከምዘኽእል እውን ሓቢሮም።

እቲ ሓዱሽ መርሃ ግብሪ መሰረታዊ ፓኬጅ ጥዕና ክሳብ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ዝፀንሕ እነትኸውን፥ ቅድሚ ሕዚ እናተተግበረ ዝነበረ ፓኬጅ ጥዕና ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2005 ዝተጀመረ ከምዝነበረ ይዝከር።

እቲ ዝፀንሐ ፓኬጅ ጥዕና፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ጥዕና ንምምሕያሽ ጥዕና ዜጋትት ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝነበሮ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ንምዕዋት ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ካብ ዝፈረሙ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ይፍለጥ።

Comments
Loading...