Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ጭካነ ብዝተመልኦ ተግባር ንተምሃራይ ብምውቀዖም ተቓውሞ ኣስዒቡ

0 57

ኣዲስ ኣባበ፣ 02 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ጭካነ ብዝተመልኦ ተግባር ንተምሃራይ ብምውቀዖም ተቓውሞ ከምዘስዐበ ተገሊፁ።

ኬንያውያን ተቓውሞኦም ዝገለፁ፥ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ንሓደ ተምሃራይ እንትድብድቡ ዘርኢ ቪዲዮ ብማሕበራዊ ድረ ገፅ  ምውዝዑ ስዒቡ እዩ።

ኣብቲ ዝተወዘዐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ንሓደ ተምሃራይ ክሳብ ዝወድቕ ርእሱ እንትወቕዑዎ ይረአ።

ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ኬንያ ፈሬድ ማቲያንጂ፥ ነቲ መጥቃዕቲ ንስነ ምግባር ፖሊስ ዘይውክል ክብሉ ኮኒኖምዎ።

ኣብ ጥቓ ናይሮቢ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጀሞ ኬንያታ ኮሌጅ ሕርሻን ቴክኖሎጂን ተቓውሞ ዝተኻየደሉ እዋን ዝተቐረፀ እቲ ብቪዲዮ፥ ”ጭካነ ፖሊስ ደው የብል” ብዝብል ሃሽታግ፥ ብማሕበራዊ ድረ ገፅ ሚዲያታት ትዊተርን ካልኦትን ብብዝሒ ተጋዊሑ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ኬንያውያን “ፖሊስ ኬንያ ዝፈፀሞ ጥቕዓት ንኹንን፣ ተምሃራይ እምበር ኣባል ግብረ ራዕዲ ኣይኮነን” ብምባል ነቲ ተግባር ክቃወሙዎ ውዒሎም።

ሓላፊ ፖሊስ ኬንያ ሂላሪ ሙትያምቢ ብግደኦም፥ እቲ ተግባር ዘይተሓሰበ ሕማቕ ኣጋጣሚ እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ።

ፖሊስ ኬንያ፥ ሰብኣዊ መሰልን ናፅነትን ደቂ ሰባት ንኽሕሉ ግቡእ ስልጠና ዝወሰደ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ዋላ እኳ ሰበ ስልጣን ኬንያ ፖሊስ እታ ሃገር ብልዑል ስነ ምግባር ዝተሃነፁን ዝሰልጠኑን እዮም እንተበሉ፥ ኣባላት ፖሊስ ግን ጭካነ ዝተመልኦ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ እንትፍፅሙ ምርኣይ ዝተለመደ እዩ።

 

Comments
Loading...