Fana: At a Speed of Life!

ንምንጋስ ሰላም ዓሊሞም ዝፍፀሙ ሕድሕድ ተግባራት ዝማዕበለ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘእተዉ ክኾኑ ይግባእ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

0 37

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ኣባላት ኮሚሽን ህንፀት ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲየን።

ንምንጋስ ሰላም ዓሊሞም ዝፍፀሙ ሕድሕድ ተግባራት ዝማዕበለ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ከምዝግባእ እተን ፕሬዚዳንት ኣብ እዋን እቲ ዘተ ተዛሪበን።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ እትፍፅሞም ዘላ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ለውጢ እዛ ሃገር ምልክት ተስፋ ምዃና ዘረጋግፁ ኢዮም ኢሎም።

ብተወሳኺ ንምንጋስ ሰላም ዓሊሞም ብብርኪ ዓለም ዝፍፀሙ ተግባራት ቀዳምነት ዝወሃቦም ብሄራዊ ኣጀንዳታት እተን ሃገራት ማእኸል ክገብሩ ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም።

ኮሚሽን ህንፀት ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት፥ ካብ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ከምኡ እውን ካብ ካውንስል ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ዝተሓረያ 31 ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ ትካል ኢዩ።

Comments
Loading...