Fana: At a Speed of Life!

ባህላዊ ኮንፈረንስ ሰላም፣ ይቅርታን ሓድነትን ሲዳማ ኣብ ሃዋሳ ጉዱማሌ ተሳሊጡ

0 34

ኣዲስ ኣባበ፣ 02 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባህላዊ ኮንፈረንስ ሰላም፣ ይቅርታን ሓድነትን ሲዳማ ኣብ ከተማ ሃዋሳ፣ ጉዱማሌ ተሳሊጡ።

16 መራሕቲ ዓሌታት ሲዳማ ዘዳለዉዎ እቲ ኮነፈረንስ፥ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ብውልቀን ብሕብረትን ንዝለዓሉ ጎንፂታት ብዘላቒ ንምፍታሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ባህላዊ ስርዓት ዳይነትን ምሕደራን ሲዳማ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ናብራ ማሕበረሰብ ዝተረጋግዐ ናይ ምግባር ሓልፍነት ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

እቶም መራሕቲ ዓሌት (ጋሮታት) ቅድሚ እቲ ዝሳለጥ ዘሎ ኮንፈረንስ ንሰለስተ መዓልቲታት ዘተ ምግባሮም ተሓቢሩ።

እቲ ኮንፈርንስ 16 መራሕቲ ዓሌት ሲዳማ ኣብ ዝተረኸቡሉ ባህላዊ ስነ ስርዓቱ ሓሊዩ ንኽካየድ ከምዝተወሰነ እውን ተገሊፁ።

ተመሳሳሊ ኮንፈረነስ ሰላምን ሓድነትን ድሕሪ ህዝበ ውሳነ ከምዝካየድ ብምግላፅ፥ ኣብቲ ኮንፈረንስ “ሲዳማ ኣቀፍ መራሕቲ ዓሌት” (ጋሮታት) ዝበሃል ኣብ ኩሎም ከባቢታት ሲዳማ ንኽጣየሽን ቤት ምኽሪ መማኸሪ ጋሮታት ህንፃ መስርሒ ዝኸውን ቦታ ንክዳሎን ተሓቲቱ።

16 መራሕቲ ዓሌት ሲዳማ ብሓባር ተራኺቦም እንትዝትዩ ንመጀመርታ ግዘ እንትኸውን፥ ኣብ ምህናፅ ሰላምን ሓድነትን ሲዳማ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ብሶዶ ለማ

Comments
Loading...