Fana: At a Speed of Life!

መበገሲ ዋጋ ሊዝ ከተማታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ከመሓይሹ ዘገድድ ረቂቕ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ

0 242

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበገሲ ዋጋ ሊዝ ከተማታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ከመሓይሹ ዘገድድ ረቂቕ ኣዋጅ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ከምዝቐረበ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ድሌት መሬትን ስርቂን ብምህላዉ ብ2004 ዓ.ም ሓዲሽ ኣዋጅ ሊዝ ንኽወፅእ ምኽንያት ከምዝኾነ ይንገር፤ እዚ ድሌት እናወሰኸ ብምምፅኡ ድማ ንካልኣይ ግዘ ምምኽያሽ ከምዘድለዮ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ መበገሲ ዋጋ ሊዝ ከተማታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ከመሓይሹ ዘገድድ ረቂቕ ኣዋጅ ሊዝ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ከምዝቐረበ ሚኒስትር ዲኤታ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣይተ ታዜር ገብረእግዚኣብሄር ኣፍሊጦም።

እቲ ስርዓት ሊዝ ናይ ዜጋታት ግልጋሎት መሬት ፍትሓዊ ተረባሕነት ንምርግጋፅ፣ ቅልጡፍን ቀፃልነት ዘለዎን ልምዓት ንኽህሉ ዘኽእል መሬት ንምቕራብን ንምቁፅፃር ስርቆት መሬትን ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣይተ ታዜር ገሊፆም።

እቲ ሓዱሽ ረቂቕ ኣዋጅ፥ ከተማታት ብምደባ ንምቕራብ ካብ ዘዳለዉዎ መሬት ካብ 10 ክሳብ 20 ሚኢታወዊ ንግልጋሎት መስርሒመንበሪ ኣባይቲ ንከውዕሉ ዘገድድ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ መልዐሊ ዋጋ ሊዝ ዘየመሓይሹ ከተማታት፥ ብጨረታ ይኹን ብምደባ መሬት ከመሓላልፉ ከምዘይኽእሉ ዝድንግግ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ሊዝ፥ ሓደ ተጫራቲ ኣብ ሕደ ዙር ጨረታ ንተመሳሳሊ ግልጋሎት ካብ ሓደ ቦታ ንላዕሊ ንምውድዳር ኢሉ ሰነድ ጨረታ ምግዛእን ምውድዳርን ከምዘይኽእል ተገሊፁ።

ረቂቕ ኣዋጅ ሊዝ 2004 ዓ.ም፥ ዋጋ መኽበሪን  መበገሲን ጨረታ ትሑት ምዃንን ብቕልጡፍ ዘይምምሕያሹን ክፍተታት ከምዝነበሩዎ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ሓቢሮም።

Comments
Loading...