Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ቦሊቭያ ኢቮ ሞራለስ ካብ ስልጣኖም ብፍቓዶም ለቒቖም

0 109

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ቦሊቭያ ኢቮ ሞራለስ ብምኽኒያት ‘ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ መረፃ ዝተልዓለ ናዕቢ ብፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ከምዝወረዱ ተገሊፁ።

እቶም ፕሬዚዳንት ከምዝተዓወቱ ምስገለፁ ብምኽንያት ዝተልዓለ ናዕቢ ኣዛዚ ምክልኻል ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣን ክለቅቕ ፀቕጢ ከምዝገበረሎም ተገሊፁ።

ኣፃረይቲ ኣብቲ መረፃ ዘይስሩዓት አካይዳታት ከምዝነበሩ ዝሓበሩ እንትኾኑ፥ ፕሬዚዳንት ኢቮ ሞራለስ ግን ዕልዋ ከምዝተፈፀሞ እዮም ዝገልፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ደገፍቶም ዝኾኑ ፖለቲከኛታትን ቤተሰቦምን ጥቕዓት ይፍፀም ስለዘሎ ነዚ ንምክልኻል ስልጣኖም ከምዝገደፉ ሓቢሮም።

ፕሬዚዳንት ሞራለስ እቶም ተቓወምቲ ኣብ ልዕሊ ወገናቶም ዝፍፅምዎ ዘለዉ ጥቕዓት ጠጠው ከብሉ ተማሕፂኖም።

እቶም ፕሬዚዳንት ብፍቓዶም ስልጣኖም ብምግዳፎም እቶም ተቃወምቲ ሓጎሶም ገሊፆም።

ብተወሳኺ ምክትል ፕሬዚዳንት ኣልቫሮ ጋርሺያ ሊነራን ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ሰኔት ኣድርያና ቫልቫቴራን እውን ስልጣኖም ብፍቓዶም ለቒቖም ኣለዉ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...