Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢንተቤ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ተግባራዊ ንክትገበር ፃውዒት ቀሪቡ

0 100

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢጋድ መበል 69  ህፁፅ ኣኼብኡ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢጋድ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው፣ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣባል ሃገራት ኢጋድን ተደራደርቲ ሰላም ደቡብ ሱዳንን ተሳቲፎም።

ኢጋድ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ኣኼብኡ፥ መንግስቲን ተቓወምቲን ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢንተቤ፥ ዩጋንዳ 28 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ሓዱሽ ስምምዕ ሰላም ተግባራዊ ንምግባር ከምዝተስማዕምዑ ኣዘኻኺሩ።

ስለዝኾነ እቲ ስምምዕ ተግባረዊ ብምግባር ኣብ መንጎኦም ዘሎ ቅርሕንቲ ክፈትሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ኢንተቤ ኣብ ዝተገበረ ሰለስቲኣዊ ስምምዕ፥ እቲ ዝግበር ስግግር መንግስቲ ብ100 መዓልታት ክናዋሕ ምግባሩ ቅድመ ሐዚ ዘይተዛዘሙ ተግባራት ንምዝዛም ዝሕግዝ ብምዃኑ ንኢዱ።

እቲ ምንዋሕ እዋን ስምምዕ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን እውን ሓቢሩ።

እቲ ምንዋሕ እዋን፥ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝካየድ ስግግር መንግስቲ ድሕንነትን ሓፈሻዊ ኣብ ዙርያ እቲ መንግስቲ ንዝህሉ ሰላምን ሓጋዚ ከምዝኾነ አውን ተዛሪቡ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተሳለጠ ህፁፅ ኣኼባ ተወከልቲ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ብሪታኒያ፣ ኖርወይ(ትሮይካ) ሕብረት ኣውሮፓን ጃፓንን ተሳቲፎም ኢዮም።

Comments
Loading...