Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝተትሓዙ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ንኩለመዳይ ተሳትፎ  ትኹረት ምሃብ የድሊ – ውድብ ጥዕና ዓለም

0 66

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝተትሓዙ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ኩለመዳይ ማሕበራዊ ተሳትፎ ትኹረት ምሃብ ከምዘድሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ኬንያ፣ ናይሮቢ ንመበል 24 ግዘ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ጥዕና ምሕዝነት ኣዴታት፣ ህፃናትን መናእሰሰይን ብተንቀሳቐሲ ምስሊ መብርሂ ሂቦም።

ዶክተር ቴደሮስ ኣብቲ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ኩለመዳይ ተሳትፎ ሽፋን ጥዕና ንምዕዋት ክሳብ ሕዚ ትኹረት ዘይተውሃቦም ከም ደቂ ኣነስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ዝበሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ትኹረት ምሃብ ይግባእ ኢሎም።

ዕላማ ናይቲ መድረኽ ኩለመዳይ ተሳትፎ ሽፋን ጥዕናን ኣዴታት፣ ህፃናትን መናእሰይን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2030 ንምዕዋት ዝተትሓዙ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ዝርከቡሉ ብርኪን ክያዶን ንምርኣይ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ዝተትሓዙ ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋት ማሕበረሰብ ዓለም ብምውዳድን ምትሕብባርን ምስራሕ ኣማራፂ ዘይኮነስ ግዴትኡ እዩ ክብሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል:-ሽንዋ

Comments
Loading...