Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክሊ ኣፈታትሓ ጎንፂ ትኹረት ዝገበረ ስልጠና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

0 123

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክሊ ኣፈታትሓ ጎንፂ ትኹረት ዝገበረ ስልጠና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ስልጠና መንግስቲ ጃፓን ምስ ትካል ምኽባር ሰላም ኢትዮጵያን ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ 12 ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ሰልጠንቲ ዝሳተፉ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 10 መዓልታት ዝፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሱኬ ማትሱናጋ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ስልጠና ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ሰላምን ድሕንነትን ብዝሓሸ መገዲ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እቶም ሰልጠንቲ ኣብቲ መድረኽ ዝረኸብዎ ኣፍልጦ ንኻልኦት ከካፍሉን ሰላምን ፀፅታን ንምርግጋፅ ዝተትሓዘ ትልሚ ከዐዉቱ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

Comments
Loading...