Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ብዝተፈፀመ ተግባር ዝተሳተፉ ኣካላት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይስራሕ ኣሎ

0 157

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ዝተፈፀመ ተግባር ዝተሳተፉ ኣካላት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣይተ ጌትነት ይርሳው ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ሞንጎ ተምሃሮ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ክልተ ተምሃሮ ከምዝሞቱን 10 ተምሃሮ ድማ ቀሊል ናይ ኣካል ጉድኣት ከምዝበፅሖምን ገሊፆም።

እቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ናይ ብሄር መልክዕ ንምትሓዝ ዝሰርሑ ኣካላት ከምዘለዉ ዝሓበሩ ኣይተ ጌትነት፥ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም።

ትኽክለኛ መልዐሊ ናይቲ ፍፃመ ንምፅራይ ጉጅለ መርማሪ ከምዝተጣየሸን ኣብቲ ጥፍኣት ዝተሳተፉ ኣካላት ናብ ሕጊ ንምቕራብ እናተሰርሐ ከምዝኾነን እውን ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ በቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ዝኾኑ ኣካላት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ምስ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ዕላማ ሓይልታት ጥፍኣት ሰላም ከይህሉን ንህዝቢ ናብ ስምዒት ክኣቱ ብምግባርን ባህሊ ሓቢርካ ምንባር ህዝቢታት ምፍራስ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሽመልስ፥ “ገለ ውድባት ፖለቲካ ስልጣን ንምሓዝን ሓሳባቶም ብሓይሊ ናብ ህዝቢ ንምስራፅን ፃዕሪ ይገብሩ ኣለዉ” ክብሉ ገሊፆም።

በቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ክልተ ተምሃሮ ከም ዝሞቱ፣ ካልኦት ብዙሓት ተምሃሮ’ውን ጉድኣት ከም ዝበፅሖምን ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ዝርከቡ ተምሃሮ ከምዝተሰናበዱን ሓቢሮም።

ህዝቢ ክልል ኦሮሚያ ካብ ካልኦት ክልላት መፂኦም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝመሃሩ ተምሃሮ ድሕንነቶም ክሕሎ ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣተሓሳሲቦም።

በቲ ዝተፈጠረ ጥፍኣት ብዝሞቱ ተምሃሮ ዝተሰመዖም ሓዘን ብስም መንግስቲ እቲ ክልል ገሊፆም ንቤተሰ መወትቲ እውን ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

Comments
Loading...