Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ኣቦ መንበር ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ብምዃን ተመሪፆም

0 48

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ኣቦ መንበር ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ብምዃን ተመሪፆም።

እቲ ውድብ ካብ 22 ክሳብ 23 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ስሩዕ ጉባኤ 21 ኣባላት ማእኸላይ ባይቶን ትሻዓተ ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕን መሪፁ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ሕገ ደንቢን ውድባዊ ፕሮግራምን ከምዝፀደቐ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኮይኖም ዝተመረፁ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ሎሚ መዓልቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ኣይተ ኪዳነ ንጋዜጠኛታት ኣበ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ውድብ ባይቶና ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ውሽጣዊ ኣተሓሳስባ መሰረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጦም።

ኣይተ ኪዳነ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ፈተና ታሪኻውን ቀፃልን እዩ ኢሉ ውድቦም ከምዝኣምን ይዛረቡ።

ነዚ ፈተና እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብምውዳብን ሓድነቱ ብምጥንኻርን ከምዝምክቶ ኣብሪሆም።

ኣባል እቲ ተነሓናሒ ውድብ ዝኾኑ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣብርሃ ተኽሉ ብግደኦም፥ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ ንሉኣላውነቱ ኢሉ ዝሓለፎም ቃልስታት ውድቦም ኣፍልጦ ይህብ ኢሎም።

ትግራይ ዝተፈላለዩ ፀጋታት ኣለውዋ ዝበሉ እቶም ሓጋዚ ፕሮፌሰር፥ ፀጋታት ትግራይ ብምጥቃም ትግራይ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ባይቶና ከብፀሓ እዩ ኢሎም።

ካልእ ኣባል እቲ ተነሓናሒ ውድብ ኣይተ ክብሮም በርሀ ድማ ውድብ ባይቶና ስርዓት ፌደራሊዝም ዝቕበል እዩ ኢሎም።

እቲ ስርዓት ህዝብታት ባዕሎም ከመሓድሩ ዝፈቅድ ብምዃኑ እቲ ውድብ ይድግፎ ኢሎም።

ባይቶና ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ክትፀንሕ ከምዝፅዕር ብምግላፅ፥ እቲ ሐዚ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ፅዕንቶ እንተቐፂሉ ግና ትግራይ ሃገር ንምግባር ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

ብዮናታን ግዛቸው

Comments
Loading...