Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሰለስቲኣዊ ዘተ ማይ ኣባይ ብዝምልከት ፍትሓዊን ሚዛናዊን መሰል ከምዘለዋ ኣፍሊጣ  

0 108

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ገንዘብ መንግስቲ ኣሜሪካ ብመሰረት ዝገበሮ እንግዶት ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ምስ ግብፂን ሱዳንን ዝገበሮ ዘተ ዛዚሙ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው፣ ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለን ኣምባሳደር ፍፁም ኣረጋን ምዝዛም እቲ ዘተ ምኽኒያት ብምግባር ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ኣብቲ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ማይ ኣባይ ብዝምልከት ፍትሓዊን ሚዛናዊን ናይ ምጥቃም መሰል ከምዘለዋ ኣብቲ መድረኽ ዘተ መብርሂ ምሃባ ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ፥ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘይረክብ 70 ሚሊየን ዝኣክል ህዝባ ተረባሒ ንምግባርን ድኽነት ንምቕናስን እምበር ንዝኾነ ይኹን ኣካል ናይ ምጉዳእ ዕላማ ከምዘይብላ ገሊፃ እያ ኢሎም።

ብተወሳኺ ንሰለስተኣዊ ልዝብ ልዑል ግምት ከም እትህብን ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣት ብዘተ ሰብ ሞያ ቴክኒክ ጥራሕ ዝፍትሑ እዮም ዝብል እምነት ከምዘለዋ ዘረድእ ሓሳብ ምቕራባ ገሊፆም።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝነበሩ ናይ ግልፅነት ፀገማት ንምብራህን ቅዋም ኢትዮጵያ ሃናፂ ከምዝኾነ ንኽተብራህርህን ዕድል ከምዝፈጠረ እውን ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንትዛዘም ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ሓቢሮም ሪቫን ክቖርፁ ድሌት ከምዘለዎም ምግላፆም እውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ዝተገበረ ዘተ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ክሊ ኣመላልኣ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሃናፂ፣ ቀፃልነት ዘለዎን ናይ ሓባር ተረባሕነት ዘረጋግፅን ስምምዕነት ንምግባር ከምዝተስማዕምዑ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

Comments
Loading...