Fana: At a Speed of Life!

ንግድብ ህዳሰ ዝግበር ተሳትፎ ሕበረተሰብ ብምሕያል ኣብ ሓደ ወርሒ ክሳብ ብር 100 ሚሊየን ምእካብ ከምዝከኣል ተገሊፁ

0 43

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት 2012 ዓ.ም ንግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝውዕል ብር 168 ሚሊየንን 953 ሺሕ ካብ ተሳትፎ ህዝቢ ከምዝተረኸበ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ መተሓባበሪ ተሳትፎ ህዝቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ንግድብ ህዳሰ ዝግበር ዘሎ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።

ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ሃይሉ ኣብራሃም፥ ኣፈፃፅማ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከብን ተሳትፎ ሕብረትሰብ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎን ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ጉዳይ እቲ ግድብ ሃገራዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን መዘራረቢ ኣጀንዳ እናኾነ ምምፅኡ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ምስ እዋናዊ ኩነታት ግብፂ ተኣሳሲሩ ኣብ ኩሉ ክፋል ኢትዮጵያ ዝርከቡ ህዝብታት ዝገብሩዎ ድጋፍ እናተመሓየሸ ከምዝመፅአን ሓገዞም የማዕሉ ከምዘለዉን ገሊፆም።

ብመሰረት ‘ዚ ድማ ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት ጥራሕ ብግዝኢት ቦንድ ብር 168 ሚሊየንን 953 ሺሕን ሓገዝ ካብ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጦም።

እቲ ተሳትፎ ሕበረተሰብ ተጠናኺሩ ዝቕፅል እንተኾኑ፥ ኣብ ወርሒ ክሳብ ብር 100 ሚሊየን ምእካብ ይከኣል ኢዩ ክብሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments
Loading...