Fana: At a Speed of Life!

ደብዳብ መዓስከር ስደተኛታት ሊብያ ብደጋዊ ሓይሊ ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ

0 110

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሊብያ ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር ካብ ካሊእ ሃገር ብዝመፀት ነፋሪት ከምዝተፈፀመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘካየዶ ምስጢራዊ መርመራ ከምዘረጋግፅ ተገሊፁ።

ዋላ’ኳ ኣብቲ ፀብፃብ ዝኾነት ሃገር ዘይተፀርሐት እንተኾነት፥  ውሽጣዊ ፍልፍላት ግን እቲ መርመራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘተኮረ ከምዝነበረ ገሊፆም።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተፈፀመ 53 ሰባት ዝቐተለን 130 ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ኣየር፥ ገበን ኲናት ከም ዝኾነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ ነይሩ።

መብዛሕተኦም ግዳያት እቲ ኣብ ምብራቓዊ ትሪፖሊ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ታጁራ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፋሪት፥ ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ዝፍትኑ ዜጋታት ትሕቲ ሳህራ ሃገራት ኣፍሪቃ እዮም ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...