Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ዳውሮ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 5 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

0 42

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ዳውሮ ትማሊ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

104 ሰባት ብምስፋር ካብ ኣስራ ዋካ ተበጊሳ ኣብ ምጉዓዝ ዝነበረት ታርጋ ቁፅሪ “ደህ-12088” ዝኾነት መጓዚያ ህዝቢ፥ ቱታ ኣብ ዝበሃል ዓቐበት ምስ በፅሐት ብዘጋጠማ ሓደጋ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብምኽኒያት እቲ ሓደጋ ሓሙሽተ ሰባት እንትሞቱ ኣብ ልዕሊ 26 ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት በሒሑ ኣሎ።

ከምኡ እውን 73 ሰባት ቀሊል ዝበሃል ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ተሓቢሩ።

መበገሲ እቲ ሓደጋ ክሳብ ሐዚ ኣይተገለፀን።

Comments
Loading...