Fana: At a Speed of Life!

ኣርሰን ዌንገር ጀርመናዊት ጋንታ ባየር ሙኒክ ከሰልጥኑ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ

0 81

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበር ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ኣርሰን ዌንገር ንጀርመናዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ባየር ሙኒክ ከሰልጥኑ ከምዝኽእሉ ሓበሬታታት ይወፅኡ ኣለዉ።

ኣሰልጣኒ ኣርሰን ዌንገር ንባየር ሙኒክ ክሳብ መወዳእታ እዚ ውድድር ዓመት ንኽመርሑ ከምዝተሓሰበ ዘ ሰን ሒዙዎ ዝወፀ ሓበሬታ የመላኽት።

ባየር ሙኒክ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብፍራንክፍርት 5 ን 1 ስዕረት ምትእንጋዳ ስዒቡ ነታ ጋንታ ከሰልጥን ዝፀንሐ ኒኮ ኮቫች ከምዘባረረቶ ይፍለጥ።

ስለዝኾነ ወዲ 70 ዓመት ኣርሰን ዌንገር ጀርመናዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ባየር ሙኒክ ናይ ምስልጣን ሓላፍነት ክወሃቦም ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ኣሰልጣኒ ነታ ጋንታ ንኽመርሑ ሓፂር ኩንትራት ክወህቦም ከምዝኽእል ዝተገለፀ እንትኸውን፥ እቲ ኩንትራት ንምንዋሕ ወይ ከዓ ካሊእ ኣሰልጣኒ ንምትእልላሽ ዝህሉ ኣማራፂ ድሕሪ ስምምዕነት ከምዝውሰን ተገሊፁ።

ኣርሰን ዌንገር ንኣርሰናል 22 ዓመታት ከምዘሰልጠኑ ይዝከር።

ፈረንሳዊ ኣሰልጣኒ ኣርሰን ቬንገር፥ ቋንቋ ጀረመንኛ ኣቀላጢፎም ምዝራብ ዝኽእሉ ምዃኖም ናይ ባየር ሙኒክ ቀዳማይ ተመራፂ ከምዝገበሮም ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ www.thesun.co.uk

Comments
Loading...