Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር ተዛትዮም

0 45

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር ሎሚ መዓልቲ ተዛትዮም።

እቶም ኣምባሳደር ድሕሪ እቲ ዘተ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ምስ እቲ ክልል ዝነበረ ርክብ ምምዕባል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ከምዝተዛተዩ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣብ ዙሪያ ትምህርቲ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ህይወት ሰበኽ ሳግም ንምምሕያሽ ዝከኣለሉ ኩነታትን ብዝምልከት ብዕምቆት ከምዝተመያያጡ ገሊፆም።

ምምሕያሽ ሴክተር ውልቀ ንምዕባለ ሃገር ልዑል ተራ ከምዘለዎ ዝገለፁ ማይክ ሬይነር፥ እቲ ዓውዲ ንምምዕባል ኣብቲ ክልል ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ዝነኣድ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ ክልል ደቡብ ብኹለ መዳይ ንዝግበር ምንቅስቓስ ድጋፍ ኣሜሪካ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ገሊፆም።

መንግስቲ ኣሜሪካ ንክልል ደቡብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝገብር ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ምሕላው ሰላምን ልዕልነት ሕጊን ዝገብሮ ሓገዝ እውን ኣበርቲዑ ክቐፅል እዩ ኢሎም።

Comments
Loading...