Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ጀርመን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከካይዱ ኢዮም

0 37

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ጀርመን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከካይዱ ኢዮም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ኣብ ዘሳልጥዎ ዑደት ስራሕ፥ ምስ መራሂተ መንግስቲ ጀርመን ኣንጌላ ሜርክል ብምርኻብ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ሄኮ ማስን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚን ልዝብ ክገብሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብ ዝኽሪ በዓል መበል 30 ዓመት ምፍራስ መንደቕ በርሊን እውን ክሳተፉ ኢዮም።

ኣሜሪካን ጀርመንን ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚረን ብዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝብገስ ኣብ መንጎአን ዝነበረን ምቅድዳው ይቕንሳ ከምዘለዋ ይግለፅ።

ብፍላይ ኣብ ጉዳይ በጀት ምክልኻል ሃገር፣ መርሃግብሪ ኒውክለር ኢራን ከምኡ እውን ሩሲያ እትሃንፆ ዘላ “ኖርድ ስትሪም 2” ዝበሃል ዝርገሐ መስመር መተሓላለፊ ጋዝ ዘለወን ኣፈላላይ እናጎልሀ ከምዝመፅአ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ ሺንዋ

Comments
Loading...