Fana: At a Speed of Life!

ህዝበ ሙስሊም ንበዓል መውሊድ ብምክብባር ከሕልፎ ይግባእ-ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና

0 70

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝበ ሙስሊም ንበዓል መውሊድ ብምክብባር ከሕልፎ ከምዝግባእ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ዘበን ዝኽበር መበል 1 ሺሕን 494 በዓል ልደት ነብዪ መሓመድ (መውሊድ) ኣመልኪቱ መልእኽቲ “እንኳዕ ኣብፀሐኩም” ኣመሓላሊፉ።

ልደት ነቢዪ መሓመድ ደወል ብስራት ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓድነትን ሕውነትን ዝተሰምዐሉ ዕለት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ነብዪ መሓመድ፥ ናይ “ኣላህ” ሓድነት ዘምሀሩን ንህዝቦም ብሕውነት ዘተኣሳሰሩን ነብዪ ሓድነትን ፍቕሪን ከምዝኾኑ እውን  እቲ ቤት ምኽሪ ሓቢሩ።

መውሊድ፥ ተረሓሒቖም ዝነበሩ መሻኢካት ዝራኸቡሉ፣ ደረሳትን ምስኪናትን ሰደቓ ዝካፈሉሉ፣ ህዝበ ሙስሊም ብዛዕባ እምነቱ ምኽሪ ዝወስደሉ፣ ሙስልም ምስ ሙስሊም ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን ብምዃን ንሓድነት ሃገር ፀሎት (ዱዓ) ዝግበረሉን ናይ ኣላህ ምሕረት ዝልመነሉን ዓቢዪ በዓል ምዃኑ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣጋጢሙ ዘሎ እዋናዊ ፀገም ብሰላም፣ ፍቕሪን ሓድነትን ንምሕላፍ፥ እቲ በዓል ብምክብባር ክኽበር ይግባእ ክብል እቲ ቤት ምኽሪ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

Comments
Loading...