Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ተዓዋቲ ሽልማት ፌሞዛ ዓመተ 2019 ኮይኑ

0 56

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ፌዴሬሽን ዓለም ለኸ ናፃን ፍሉይን ቀጠና ኢኮኖሚ ዝህቦ ሽልማት ፌሞዛ ዓመተ 2019 ተዓዊቱ።

ፌሞዛ ንዘይትርፊ ዝተጣየሽ ዘይመንግስታዊ ትካል እንትኸውን፥ ልዕሊ 60 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቖፈ ኢዩ።

ፌሞዛ፥ ኣብቲ ትካል ብኣባልነት ዝተሓቖፋን ናብ ዕቤት እናተሰጋገራ ዝርከባን ሃገራት ዘለዉወን ፓርክታት ኢንዱስተሪ ንምዕባይ ድጋፍ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ተገሊፁ።

እቲ ደገፍ ዓለም ለኸ ልምዲታት ብምክፋል፣ ንሰብ ሞያ ስልጠና ብምሃብ፣ ቴክኒካዊን ኢኮኖሚያዊን ድጋፍ ብምግባርን ቴክኖሎጂታት ብምትእትታውን ፓርክታት ኢንዱስሪ ዘዋፅእ ዓውዲ ንኽኸውን ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢነዱስትሪ ኢትዮጵያ ተዓዋቲ ሽልማት ፌሞዛ ክኸውን ዝኸኣለ፥ ፓርክታት ኢንዱስት ብቕልጡፍ ናብ ምፍራይ ንኽሰጋገሩ ብምግባሩ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዓቕሚ ኤክስፖርት ምዕባይ ምኽኣሉ፣ ካብ ብኽለት ናፃ ዝኾኑን ንከባቢ ኣየር ዝስማዕምዑ ፓርክታትን ምህናፅ ብምኽኣሉ ምዃኑ እቲ ኮርፖሬሽን ኣፍሊጡ።

ፍልፍል፡-ግዜኢ

Comments
Loading...