Fana: At a Speed of Life!

ትኬታት መጓዓዝያ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ መማረፂ ክፍሊት ንምጥቃም ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ

0 36

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዕድጊት ትኬት በረራታት ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ  ዘመናዊ ኣማራፂታት ክፍሊት ንምፍፃም ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያምን ዋና ዳይሬክተር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ባጫ ጊናን ሎሚ መዓልቲ ተፈሪሙ።

ተገልገልቲ ሼባ ማይልስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብፍሉይ ተረባሕቲ ዝገብር ሓዱሽ ግልጋሎት ካርድ ፕላቲኔም ኮብራንድ ንመሃብ ምድላዋቱ ከምዝዛዘመን ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጅምርን እቲ ባንኪ ንግዲ ገሊፁ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ሜላ ክፍሊት ኤሌክትሮኒክስ ብምስላጥ ልዑል ብርኪ ከምዝበፅሑ ኣብ እዋን እቲ ስምምዕነት ተገሊፁ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 22 ሚሊየን ዓማዊል ዘለዉዎ እንትኸውን፥ ኣስታት 30 ሚኢታዊ ዓማዊሉ ነቲ ዲጂታል መማረፂ ክፍሊት ክጥቀሙ እዮም ተባሂሉ።

Comments
Loading...