Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ፈትለወርቅ ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ሕቡራት ኢሚሬት ዓረብ ተዛቲየን

0 58

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ፌዴሪኢ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ሕቡራት ኢሚሬት ዓረብ ሪም ኣል ሓሽሚ ሎሚ መዓልቲ ተዛቲየን።

ወይዘሮ ፈትለወርቅ ኣብ ዱባይ ዝርከብ ማእኸል ምድላው ኤክስፖ 2020 ተዓዚበን።

እተን ሚኒስትር ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ሕቡራት ኢሚሬት ዓረብ ሪም ኣል ሓሽሚ ኣብ ዝገበርኡ ዘተ፥ መንግስቲ እታ ሃገር ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝተዳለወ ኤክስፖ ብምስታፍ ተረባሒት ንኽትከውን ዓሊሙ ንዝገበሮ ደገፍ አመስጊነን።

ሚኒስትር ዲኤታ ሪም ኣል ሓሽሚ ብግደአን፥ እቲ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲን ዕድላት ኢንቨስትመንትን ንዓለም ንክተፋልጥ ዘኽእል ከምዝኾነ ሓቢረን።

Comments
Loading...