Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ መበል 31 ዓለም ለኻዊ ምርኢት ንግዲ ሌጎስ ትሳተፍ ኣላ

0 68

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ 20 ክሳብ 30 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ናይጄሪያ፣ ሌጎስ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 31 ዓለም ለኻዊ ምርኢት ንግዲ ትሳተፍ ኣላ።

ኣብቲ ምርኢት ንግዲ፥ ዕድላት ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ናይ ምፍላጥ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ።

ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ምርኢት፥ ማሕበረሰብ ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ምቅርራብ ኣብ ዝኽእለሉ ዛዕባ ትኹረት ብምግባር ዘተ ይግበር ምህላዉ ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ናይጄሪያ ኣዛናው ታደሰ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ዘሎ ለውውጥ ነግዲ ንምዕባይ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ከፍቲ ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃፍቲታት ቱሪዝም መብርሂ ሂቦም።

Comments
Loading...