Fana: At a Speed of Life!

ተናሓናሕቲ ፖለቲካኛታት ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻርን ሳልቫ ኪርን ኣብ ካምፓላ ክዛተዩ እዮም

0 56

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን ተቓዋሚኦም ሪክ ማቻርን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩጋንዳ ካምፓላ ክዛተዩ እዮም።

ኣብቲ ዘተ ፕሬዚዳንት ዩጋንዳ ዮዌሪ ሙሴቬኒን ሓላፊ ቤት ምኽሪ ሉኣላዊ ሱዳን ሌተናል ጀኔራል ኣብደል ፈታህ ኣል ቡርሃንን ክሳተፉ እዮም።

እቶም ተናሓናሕቲ ሓይሊታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ሰነድ ስምምዕነት ሰላም ድሕሪ ምፍርራሞም ንሳልሳይ ግዘ ገፅ ንገፅ ዝራሐኸብሉ መድረኽ ዘተ ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ክልቲኦም ተናሓናሕቲ ሓይሊታት ምጥያሽ ሽግግር መንግስቲ እታ ሃገር ብዝምልከት ብዕምቆት ክዛተዩ እዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ሱዳን ሳልቫ ኪርን ነበር ምክትል ፕሬዚዳንት መራሒ ዓመፅቲ ሱዳን ሪክ ማቻርን ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ኣብ ጁባ ገፅ ንገፅ ተራኺቦም ከምዝተዛተዩ ይዝከር።

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ ኣብ መፃኢ ሕዳር ግዚያዊ ሽግግር መንግስቲ ንምጥያሽ ከምዝተስማዕምዑ ተገሊፁ ነይሩ።

ፍልፍል፦sudantribune

Comments
Loading...