Fana: At a Speed of Life!

ኢራን ካብ ኣሜሪካ ንዝፍነወላ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ረብሓታት ኣሜሪካን መሓዙታን ዓፀፋዊ ግብረ መልሲ ከምትወስድ ኣፍሊጣ

0 160

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ካብ ኣሜሪካ ንዝፍነወላ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ረብሓተት ኣሜሪካን መሓዙታን ዓፀፋዊ ግብረ መልሲ ከምትወስድ ኣፍሊጣ።

ኣቐባሊ ቓል ዘብዒ ብሄራዊ ኣብዮት ኢራን ኣቦልፋዘል ሼካርቺ ከምዝበሉዎ፥ ቴህራን ካብ ኣሜሪካ ንዝፍነወላ መጥቃዕቲ ዓፀፋዊ ግብረ መልሲ ክትወስድ ኢያ።

እቶም ኣቐባሊ ቓል ብኣሜሪካ ኣቢሉ ናብ ኢራን ዝፍኖ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ናይታ ሃገር ሽፋን ዝኾና ሃገራት ግዳያት ናይቲ ግብረ መልሲ ክኾና ከምዝኽእላ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኣብ ኢራን ንዝፍፀም መጥቃዕቲ ዓሊመን ዶባተን ንፀላእቲ ኢራን ክኸውን ዝፈቐዳ ሃገራት፥ ቴህራን ከም ወረርቲን ፈፀምቲ ጥቕዓትን ገይራ ከምትሪአን ኣገንዚቦም።

ጠቅላይ ኤታማዦር ሹም ዘብዒ ብሄራዊ ኣብዮት ኢራን ሞሃመድ ባቄሪ ብግደኦም፥ ንኢራን ዝነኽኣ ሃገራት ከቢድ ዋጋ ከምዝኸፍላ ኣጠንቂቖም ከምዝነበሩ ይዝከር።

 

ፍልፍል፦ ሺንዋ

Comments
Loading...