Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከቢድ ስግኣት ዕልቕልቕ ውሕጅ ኣንፀላልዩ ከምዘሎ ተገሊፁ

0 185

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከቢድ ስግኣት ዕልቕልቕ ውሕጅ ኣንፀላልዩ’ሎ ተባሂሉ።

ዛጊድ ኬንያ፣ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ብሓያሎ ሓደጋ ውሕጅ ዝተጠቕዓ እንትኾና፥ ሜትሮሎጂስት ካሊእ ነዚ ዘባኣኣስ ዝናብ ይመፅእ ከምዘሎ ኣጠንቂቖም።

እቶም ሰብ ሞያ ከምዝብልዎ፥ ብፍላይ ኣብ ሶማልያ ሎሚ ከም ዝዘነብ ተተንብዩ ዘሎ ሓያል ዝናብ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ከጋድድ ይኽእል እዩ።

ዞባዊ ዳሬክተር “ኣክሽን ኣገይነስት ሃንገር” ሃጂር መዓሊም፥ ኣብ ታሪኽ ሓደጋ ምዕልቕላቅ ውሕጅ ሶማልያ ብዝኸፍአ ዝተጠቕዓት ኢሉዋ።

ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ካብ 270 ሽሕ ንላዕሊ ሶማልያውያን ካብ መንበሪ ገዘኦም ክመዛበሉ ከምዝተገደዱ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል፥ ኣብ ደቡብ ሱዳን ልዕሊ ፍርቂ ሚልየን ነበርቲ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር፥ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዜ ከምዝኣወጁ ይዝከር።

ከምኡ’ውን ገለ ክፋላት ኬንያ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኾይኑ እዩ።

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብፍላይ ኣብ ከም ፒቦር ዝበሃሉ ከባብታት ደቡብ ሱዳን እቲ ሓደጋ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ይገልፁ ኣለዉ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣተሓባባሪ ሕፁፅ ሓገዝ ማሕበር ሓካይም ብዘይ ዶብ ኢዲ ፈርዲናንድ ኣቴ ከምዝበሉዎ፥  እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘስግእ እዩ።

ፒቦር ከተማ ሙሉእ ንሙሉእ’ያ በቲ ውሕጅ ኣዕለቕሊቓ ዘላ እውን ኢሎም።

ከምኡ’ውን ተወካሊ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሓገራት፥ እቲ ኩነታት ብተመሳሰሊ ገሊፀምዎ።

“ነቶም ግዳያት ክንሕግዝ ክንብል ክሳብ ብርክና ኣብ ውሕጅ እናኣተና ኢና ንሰርሕ ዘለና” እውን ኢሎም።

ኣብቲ ዞባ ሓያሎ ዝናብ ንኽወርድ ምኽንያት ተገይሩ ዝጥቀስ ኩነታት ኣየር፥ “ፖዚቲቭ ኢንድያን ኦሽን ዲፖለ” እናተብሃለ ዝፅዋዕ ክስተት እዩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...