Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሓንቲ ደቡብ ኮርያዊት ገባሪት ሰናይ ብዝተረኸበ ሓገዝ ደረጅኡ ዝሓለወ ንቅድመን ድሕረን ወሊድ ዘገልግል ኣዳራሽ ኣብ መቐለ ተመሪቑ

0 54

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጣብያ ጥዕና ካሰች ኣስፋው መቐለ ካብ ሓንቲ ደቡብ ኮርያዊት ገባሪት ሰናይ ብዝተረኸበ ሓገዝ ደረጅኡ ዝሓለወ ንቅድመን ድሕረን ወሊድ ዘገልግል ኣዳራሽ ኣመሪቑ።

እቲ ብልዕሊ 200 ሺሕ ብር ዝተሃነፀ ኣዳራሽ፥ ብኮርያዊት ነርስ ገባሪት ሰናይ ሚስ ዎን ሚያንግ ዝተሃነፀ ኢዩ።

እተን ነርስ ገንዘባዊ ድጋፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ንክልተ ዓመት ሙሉእ ሞያዊ ድጋፍ ንምሃብ ተሊመን ዛጊድ ኣብቲ ሆስፒታል ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ከም ዘገልገላ ተገሊፁ።

ሓቢሮምወን ንዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕና እውን ብሉፅ ተሞክሮአን ኣብ ምስፋሕ ዝላዕለ ግደ ከም ዝፃወታ ዳይሬክተር ጣብያ ጥዕና ካሰች ኣስፋው ሲስተር ኣልማዝ ወልደስላሰ ሓቢረን።

ሲስተር ኣልማዝ ከም ዝበልኦ ዕላማ እቲ ሰናይ ተግባር ኣብቲ ጥዕና ጣብያ ሕፅረት ክፍልታት ብምቕራፍ ንቅድመ ወሊድ ኮነ ድሕሪ ወሊድ ዝተማቻቸወ መዋለዲ ክፍልታት ንክህሉ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ብሓፈሻ መንግስትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ደቡብ ኮሪያ/kOICA/ ብዝብል ሽም ዘጣየሹዎ ፕሮጀክት፥ ካብ መቐለ ሓሊፉ ኣብ ኣክሱምን ዓድዋን ጨናፍር ከም ዘለዎም ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርቓ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

Comments
Loading...