Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ኦም ከምዝተርኣየ ተሓቢሩ

0 77

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ኦም ከምዝተርኣየ ተሓቢሩ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገፀርን እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

እቲ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ሕለት ኮካ ኸባቢ ሕለጊንን ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ኸባቢ እንዳ ሚኪኤል ቤክርስትያንን ኣብ ዝርከቡ ኣእዋማት ከምዝተርኣየ ኣብ መምርሒ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን መራሒ ጉጅለ ልምዓት ዘራእትን ሓለዋን ኣይተ ተ/ማርያም ነጋ ገሊፃም።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2011ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝተርኣየ ዝገለፁ ኣይተ ተ/ማርያም፥ እቲ ባፅሕ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ሓደ ቦታ ተራእዩ እናጠፍአ ኣብ ካልእ ቦታ ይርኣይ ብምህላዉ ኩሉ ነባራይ ህዝቢ ነዚ ተገንዚቡ ኸባቢኡ ብምፍታሽ እንትርአ ንሰብ ሞያ ቐልጢፉ ከፍልጥን ተወዲቡ ክከላኸልን ፀዊዖም ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ዞባ ፀብፂቡ።

Comments
Loading...