Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘላቒ ሰላም ንምህናፅ ዘኽእል ዘተ ይካየድ ኣሎ

0 45

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘላቒ ሰላም ንምህናፅ ዘኽእል ዘተ ሎሚ መዓልቲ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ’ቲ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን፣ ፕሬዚዳንትታት ዝተፈላለያ ዩንቨርስቲታት፣ ሓለፍቲ ዘፈራት ፀፅታ ክልላት፣ ተወከልቲ ተምሃሮ ዩንቨርስታት፣ ትካላት ዘፈር ልምዓት ትምህርቲን ስልጠናን ካልኦት ተወከልቲ ትካላትን ይሳተፉ ኣለዉ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ኣብተቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ በቢእዋኑ ኣብ ዩንቨርስታት ዘጋጥም ፀገም ፀፅታ ኣብ ማሕበረሰብ ዩንቨርስታት ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሃገር ክብፃሕ ንዝድለ ምዕባለ ዕንቅፋት ከመዝኸውን ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶከተር ኣቢይ ንሰላም ቀዳምነት ሂቦም ብምስረሖም ብብርኪ ዓለም ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ከምዝኾኑ ዝሓበሩ ዶክተር ሳሙኤል፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዕዉት ምርምርን ምምሃር ምስትምሃርን ንምክያድ መርግጋፅ ሰላም እተን ዩንቨርስታት ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ፀገም እንተጋጥም ኮፍ ኢልካ ብዝሰልጠነ ኣገባብ ብዘተ ምፍታሕ ከመ ልምዲ ክውሰድ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

Comments
Loading...