Fana: At a Speed of Life!

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተዛቲዩ

0 67

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተዛቲዩ።

እቲ መድረኽ ዘተ ብዕፁው ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብፁዓን አበው ሊቃነ ጳጳሳት፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ደመቀ መኮነን፣ ሚኒስተር ሰላም ፌዴሪኢ ወይዘሮ ሙፋሪያት ካሚል፣ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይተ ለማ መገርሳን ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፌዴራል ፖሊስ መላኩ ፈንታ ተረኺቦም።

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ተዋህዶ ቤተክርስቲያንን ሃገራዊ ኩነታትን ትኹረት ብምግባር ዘተ ከምዝተገበረ  ካብ ኣገልግሎት መራኸቢ ሓፋሽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝረኸብናዎ ሓበሬታ የረድእ።

Comments
Loading...