Fana: At a Speed of Life!

ኦማር ሓሰን ኣልበሽር ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ክወሃቡ ከምዝኽእሉ ይግለፅ አሎ

0 63

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ሱዳን ኦማር ሓሰን ኣልበሽር ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ክወሃቡ ከምዝኽእሉ ይግለፅ አሎ።

ዓቀቢ ሕጊ እታ ሃገር ታጅ ኣል ሲር ኣል ሃብር ከምዝበሎ፥ ፕሬዚዳንት ኣልበሽር ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት አሕሊፍካ ክወሃቡ ዝኽእሉሉ ኩነታት ዘተኮረ ምስ ማሕበር ሰብ ሞያታት ሕጊ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዝተገበረ ዘተ ድማ ኦማር ሓሰን ኣልበሽር ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ክወሃቡሉ ዘኽእል ናይ ሕጊ ምምሕያሽን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዳርፉር ኣመለኪቶም እናተወሰዱ ዝርከቡ ስጉምታትን ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ከመይ የካይዶ ከምዘሎ ቀሪቡ።

ምኽትል ኣቦ ወነበር እቲ ማሕበር ሳልህ መሓሙድ፥ ኣልበሽር ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ክወሃብሉ ብዝኽእል ብርኪ ኣመልኪቶም መረዳእታ ንዘይምሃብ ምስምዕመዖም ተዛሪቦም።

ኣብ ዳርፉር ዝተፈፀመ ወንጀልን ጥሕሰት ሰብአዊ መሰልን ዝምልከት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2012  ቤት ፍርዲ ክጣየሽ ሚኒስቴር ፍትሒ ሱዳን ምውሳኑ ይዝከር።

ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ብግደኡ፥ ኦማር ሓሰን ኣልበሽር ዘርአዊ ጭፍጨፋ ፈፂሞም ብምባል ኣብ ዓመተ 2009ን 2010 ናይ እስራት ትእዛዝ ኣውፂኡ ነይሩ።

ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሑ ዝነበሩ እቶም ፕሬዚዳንት ብአቆፃፅራ ፈረንጂ ወርሒ ሚያዚያ 2019 ኣብታ ሃገር ብዝተወለዐ ልዑል ህዝባዊ ናዕቢ ካብ መንበረ ስልጣኖም ወሪዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ፍልፍል፡- ሚድል ኢስት ሞኒተር

Comments
Loading...