Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ለበዳ ኤች ኣይቪ ኤድስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ተገሊፁ

0 261

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኣብ ትግራይ ለበዳ ኤች ኣይቪ ኤድስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ሓላፊ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይቪ ኤድስ እቲ ክልል ኣይተ ፍስሃ ብርሃኑ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመዳይ መንግስቲ ኣብ ምክልኻን ምቁፅፃርን ኤች ኣይ ቪ/ኤድስ ብርክት ዝበሉ ፃዕርታት ዝተገበረ እኳ እንተሾነ፥ ሕብረተ ሰብ ኣብቲ ሕማም ዘርእዮ ዘሎ ሸለልትነት ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ንክመፅእ መበገሲ ምኽኒያት ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ነቲ መፍረያይ ሓይሊ ሰብ እናጥቅዐ ሐዚ ‘ውን ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዕብየት ቅልውላው እናፈጠረ ከም ዝርከብ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ዓመት ወርሒ ሕዳር ዝኽበር ማዓልቲ ኤች ኣይቪ ኤድስ ምኽንያት ብምግባር ሕሉፍ ዓመታት ብብርኪ ክልል ኣብ ኣኽሱም ጥራሕ ይኽበር ምንባረየ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ፍስሃ፥ ይኹን እምበር እዚ ንበይኑ መፍትሒ ክኾን ስለዘይኽእል ከም ትልሚ ኣብኩለን ወረዳታትን እዚ ሕማም ዝተስፋሕፈሐለን ከባቢታትን ትግራይ ክኽበር ተወሲኑ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።

ብተወሳኪ ኣብ ኩለን ኣብያተ ዕዮን ቤተ እምነታትን በረርቲ ፅሕፋት ብምብታን ሕብረተሰብ ግንዛበኡ ንክዓቢ ፃዕሪ ከምዝግበር ሓቢሮም።

ፍልፍል፦ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

Comments
Loading...