Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኣየርላንድን ሰነድ ስምምዕነት ድጋፍ 325 ሚሊየን ብር ተፈራሪመን

0 56

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ኣየርላንድን ንመርሃ ግብሪ ሴፍቴኔት ዝውዕል ሰነድ ስምምዕነት ድጋፍ 325 ሚሊየን ብር ተፈራሪመን።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣድማሱ ነበበን መራሒ ትሕብብር መንግስቲ ኣየርላንድ ፓትሪክ ማክማኑስ ክታሞም ኣምቢረሙሉ።

እቲ ደገፍ ገንዘብ፥ ብብርኪ ቤተሰብ ምግቢ ውሕስና ንምርግጋፅ፣ ሃንደበታዊ ሓደጋታት እንተጋጥሙ ንምክልኻል፣ ንምግቢ ድሕንነትን ምምሕያሽ ስርዓተ ኣመጋግባን ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

መርሃ ግብሪ ሴፍቲኔት፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ደቡብን ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዓሊሙ ኣብ ወረዳታት ተፈፃሚ ዝግበር ኢዩ።

ስለዝኾነ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2015 ክሳብ 2020 ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ሎሚ መዓልቲ ዝተፈረመ ደገፍ ገንዘብ ን2019/2020 ዝውዕል ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments
Loading...