Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኳታር ዶሃ ንዝተሳተፉ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ሽልማትን ኣፍልጦን ተዋሂቡዎም

0 46

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኳታር ዶሃ ንዝተሳተፉ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሽልማትን ኣፍልጦን ተዋሂቡዎም።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ፥ 8 ሜዳሊያታት ብምእካብ ብብርኪ ዓለም ሻምናይ ብብርኪ ኣፍሪካ ድማ ሓምሻይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ምዝዛሞም ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ትማሊ ኣማሲዩ ኣብ ሆቴል ኤሊያና ስነ ስርዓት ሽልማት ተሳሊጡ።

ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ልዕሊ 2 ነጥቢ 25 ሚሊየን ብር ብመልክዕ ሽልማት ነቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ተዋሂቡ።

ሜዳሊያ ወርቂ ንዘምፅኡ 40 ሺሕ ብር፣ ሜዳሊያ ብሩርን ነሃስን ንዘምፅኡ ድማ ንሕድሕዶም 30ን 20ን ሺሕ ብር ከምዝተበርከተሎም ተሓቢሩ።

Comments
Loading...