Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ናብ ሩሲያ ኣምሪሖም

0 52

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ መዓልቲ ናብ ሩሲያ ኣምሪሖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሩሲያ ኣብ ዝካየድ ፎረም ኢኮኖሚ ሩሲያ-ኣፍሪካ ንምስታፍ ኢዮም ናብታ ሃገር ተጓዒዞም።

ፎረም ኢኮኖሚ ሩሲያ-ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 23 ክሳብ 24 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ከተማ ሶቺ ክሳለጥ ኢዩ።

ዕላምኡ ድማ ኣብ መንጎ ሩሲያን ኣፍሪካን ዘሎ ርክብ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ንምጥንኻር ኢዩ።

ስለዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሓዊሱ 46 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ኣብታ ኣህጉር ዝርከቡ ማሕበረሰብ ንግዲን ካልኦት ዓለም ለኻዊ ትካላትን ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ።

Comments
Loading...