Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲዮም

0 35

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ትካል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

እቶም ኣባላት ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ እንትኾኑ፥ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ክሊ ከባቢያውን ኩነታት ፀፅታን ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ዋጋ ሰላምን ኣመራርሓን ብቕንዕና ምርዳእ ክልላዊ ሰላም ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ከምዝረብሕ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ተዛሪቦም።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ብግደኦም፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ብምዃኖም ዝተሰመዖም ታሕጓስ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኣፍሪካ ሰላም ንክህሉ ብቐፃልነት ግደኦም ንከበርክቱ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ትካል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካ ብምርኻብ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

Comments
Loading...