Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ-ፈረንሳይ ኣብ ፈረንሳይ ይካየድ ኣሎ

0 38

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ-ፈረንሳይ ኣብ ፈረንሳይ ይሳለጥ ኣሎ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብቲ ፎረም ብምርካብ መደረ ገይሮም።

ኣይተ ደመቀ፥ ኢትዮጵያ ምድሪ ቀዳሞት፣ ብዙሃን ዝነብሩላን ንኢንቨሰትመነት ተመራፂትን ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓትን ኩለመዳይ ምዕባለን ዓሊሙ ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ምምሕያሽ ይግበር ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ምትሕብባር ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ብዝበለፀ ምጉልባት ዝከኣል ኣብ ዓውዲ ነግዲን ኢንቨስትመነትን ትርጉም ብዘለዎ መረዳእታ እንትድገፍ ከምዝኾነ ድማ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ዝሙቹ ኢንቨስትመንት ንምፍጣር ትኹረት ተገይሩ ይስራሕ ከምዘሎ ድማ ኣብሪሆም።

Comments
Loading...