Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሶሪያ ዝወፅኡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ክሰፍሩ’ዮም

0 31

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንሶሪያ ገዲፎም ዝወፅኡ ዘለዉ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ምዕራባዊ  ሸነኽ ዒራቕ ክሰፍሩ ትፅቢት ከም ዝግበር ፀሓፊ ምክልኻል ማርክ ኢስፐር ኣረጋጊፆም።

በቲ ሕዚ ወፂኡ ዘሎ ትልሚ ከም ብሓዱሽ ምንቅስቓስ ጀሚሮም ንዘለዉ ወተሃደራት እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ምክልኻል ዝሕግዙ 1 ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝምደቡ ድማ ገሊፆም።

ቅድም ክብል እቶም ወተሃደራት ናብ ሃገሮም ከም ዝመልስዎም ፕሬዚዳንት ትራምፕ ምዝራቦም ይዝከር።

ብኻልእ ወገን ድማ ሓይሊታት ኩርድ፥ ንሶሪያዊት ከተማ ራስ ኣል-ኣይን ገዲፎም ከም ዝወፅኡ ገሊፆም።

እዚ ድማ ኣካል እቲ ብሸማጋልነት ኣመሪካ ካብቲ ከባቢ ክወፅኡ ምስ ቱርኪ ዝኣተውዎ ስምምዕነት ከም ዝኾነ እዩ ዝንገር።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሰሜናዊ ሶሪያ ከም ዝወፅኡ ብምግላፆም፥ ቱርኪ ኣሸበርቲ እዮም ኣብ ልዕሊ እትብሎም ሓይልታት ኩርዲ መጥቃዕቲ ጀሚራ ነይራ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...