Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 6 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

0 22

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ኦፍላ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 6 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ 22 ሰባት ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሐ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ትራፊክ እቲ ዞባ ገሊፁ።

እቲ ሓደጋ 28 ሰባት ኣሳፊራ ካብ ከተማ ኮረም እትጓዓዝ ዝነበረት ታርጋ ቁፅሪ 3- 06938 ትግ. ናይ ህዝቢ መጓዓዚያ፥ ፍቕረ ወልዳ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እንትትበፅሕ ብምግልባጣ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ሓላፊ ትራፊክ ፖሊስ ዞባ ደቡብ ኮማንደር ኣብርሃ ወረደ ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ ተሳፈርቲን ረዳትን ብምኽኒያት ዘዓጠመ ምስሕሓብ ክፍሊት እቲ ገናሒ መኪና ነታ ኣብቶቡስ ደው ኣቢሉ ከምዝወረዳ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ነታ መኪና ታኮ ብዘይምግባሩ 150 ሜትሮ ዕምቈ ናብ ዘለዎ ገደል ተንሸራቲታ ምእታዋ ተሓቢሩ።

መጉዳእቲ ዝበፅሖም ተሳፈርቲ ኣብ ሆስፒታላት መቐለ፣ ማይጨውን ኮረምን ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊፁ።

Comments
Loading...