Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ስዊድንን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን

0 78

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ስዊድንን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን።

ኣብ’ቲ ሰነድ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣድማሱ ነበበን ኣምባሳደር ስዊዲን ኣብ ኢትዮጵያ ቶርበጅን ፒተርሰን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

እቲ ደገፍ ኣብ ትሕቲ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን መንግስቲ ስዊዲን ኣብዚ ዓመት ንዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ናይ ዝገብሮ ደጋፍ ሓደ ኣካል ኢዩ።

በቲ መንግስቲ ኣቢሉ “ዴሞክራሲ ነማዕብል” ብዝብል ሓሳብ ተግባራዊ ዝግበር ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ዴሞክራሲ ንምምዕባል ንዝግበር ፃዕሪ ዝድግፍን ኣብዚ ኣድሂበን ንዝሰርሓ ትካላት ንምጥንኻር ዝዓለመን ከምዝኾነ ካብ ኤምባሲ ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

Comments
Loading...