Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስሩዕ ጉባኤኡ ፅባሕ ከሳልጥ ኢዩ

0 33

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሓምሻይ ዘበን መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤኡ ፅባሕ ከሳልጥ ኢዩ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘሳልጦ ስሩዕ ጉባኤ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ክርከቡ ኢዮም።

ኣብቲ ጉባኤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ 26 መስከረም 2012 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ጉባኤ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዘቕረብኡ መደረ መሰረት ብምግባር ኣብ ዝቐረበ ድጋፍ ሞሽን ክፀድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረቡ ሕቶታት ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምላሽ ክህቡ ኢዮም።

Comments
Loading...