Fana: At a Speed of Life!

ም/ል ርእሰ ምም/ር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ኣብቲ ክልል ብምኽኒያት ዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ቤተሰብ ኣፅናዕኒዖም

0 30

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ’ቲ ክልል ወረዳ ኩንታ ካብ 4 ነሓሰ 2011 ዓ.ም ክሳብ 3 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ብምኽኒያት ዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ቤተሰብ ሎሚ መዓልቲ ኣፅናዕኒዖም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ ወረዳ ብኣካል ብምርካብ ንቤተሰብ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ከምዘፅናዕንዑ ተገሊፁ።

ኣብቲ ከባቢ 2 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ብምኽኒያት ዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ(ምንሽርታት) መሬት 22 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይዝከር።

ካብ 4 ነሓሰ 2011 ዓ.ም ክሳብ 3 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ብምኽኒያት ዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ድማ ብድምሩ 25 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፥ 481 መራሕቲ ስድራ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም።

770 ኣባላት ቤተሰብ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣፅሊሎም ኣለዉ።

ከምኡ እውን 115 ኣባይቲ እንትፈርሱ፥ ኣብ ኣዝርአቲ እውን ሓደጋ በፂሑ ኢዩ።

Comments
Loading...