Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ “ሰላም ሚኢቲ ሚኢታዊ ክዕወት ኢዩ” ተሳሊጡ

0 44

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሽልማት ኖቤል ሰላም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምኽኒያት ብምግባር ዝተሰናደአ መርሃ ግብሪ “ሰላም ሚኢቲ ሚኢታዊ ክዕወት ኢዩ” ኣብ ኣዳራሽ ሚሌኒየም ትማሊ ተሳሊጡ።

ኣብ’ቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት፣ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማታትን፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣባ ገዳታት፣ ሀዳ ስንቄታትን ፍሉጣት ሰባትን ተረኺቦም ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሽልማት ተበርኪቱሎም ኢዩ።

እቲ ሽልማት ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ብምዃኖም ካብ ኢትዮጵያውያን ቤተሰብ ሰላም ዝተውሃቦም ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ከም ሃገር ሰላም ንክነግስ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዘለዎ ሰብ በቢዓመቱ ብብርኪ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ሽልማት ከምዝወሃቦ እውን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝገበርኦ መደረ፥ እቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ከም ሃገር ንኽንኮርዕን ንዝበለፀ ኣፍልጦ ክንዳሎን ዝገብር ኢዩ ኢለን።

ንሰላም ዝኸውን መፍትሒ ንምንዳይ ዘኽእል ዕድል ከምዘሎ ዝሓበራ እተን ፕሬዚዳንት፥ እቲ ዝግበር ዘተ ካብ ድልየት ውልቀ ሰብን ጉጀለን ሓሊፉ ኣብ ሃገርና ትኹረት ዝገበረ ክኸውን ከምዝግባእ ተዛሪበን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ብግደኦም፥ ንፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ወላዲቶምን በዓልቲ ገዘኦምን አመስጊኖም።

ኩልና ኣብ ውሽጥና ሰላም ክህልወና ኣለዎ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒሰትር፥ ኣብ ውሽጢ ሰላም እንተዘይሃሊዩ ካብን ደገ ዝመፅእ ሰላም የለን ክብሉ ገሊፆም።

መላእ ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ሽገር ዋላ እንተኾኑ ብካልኦት ዘፈራት ሽም ሃገሮም ንከፀውዑ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት፥ እቲ ሽልማት ንኣፈታትሒ ጎንፂ ኣፍሪካ ኣፍልጦ ዝሃበ ከመዝኾነ ተዛሪቦም።

Comments
Loading...