Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም 4 ሺሕን 800 ሓደሽቲ ተመሃሮ ሎሚ መዓልቲ ተቐቢሉ

0 47

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ካብ መላእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝመፅኡ 4 ሺሕን 800 ሓደሽቲ ተመሃሮ ሎሚ መዓልቲ ተቐቢሉ።

እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብዚ ዓመት ዝቕበሎም ሓደሽቲ ተመሃሮ ሓዊሱ ልዕሊ 14 ሽሕ ተመሃሮ ብስሩዕ ንምምሃር ዘድሊ ኩለ መዳይ ቅድመ ምድላው ከምዘካየደ ተገሊፁ።

ንቐፃሊ እውን ኣብ ዓድዋ ቴክስታይል ኢንጅነሪንግ ከም ዝጅመርን ካልኦትን ስራሕቲ ዓሚሙ ከም ዝሰርሕን ፕሬዚዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ዶ/ር ፀሃየ ኣስመላሽ ኣብሪሆም።

ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሰላማዊ ክኸውን እውን ዘድልዪ ቅድመ ምድላው ምስ ምምሕዳር ከተማ ኣኽሱም፣ ተወከልቲ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም፣ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት፣ ኣካላት ፀፅታን ካልኦት ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ናይ ምርድዳእ መድረኽ ከምዝተገበረ ዶ/ር ፀሃየ ገሊፆም።

Comments
Loading...