Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ውቕሮ ብመስሕብ ቱሪዝም 93 ሚልየን ብር ኣታዊ ንምርካብ ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

0 30
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ዓመት ብመስሕብ ቱሪዝም 93 ሚልየን ብር ኣታዊ ንምርካብ ተሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ቤትፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ውቅሮ ኣፍሊጡ፡፡
 
ኣብ ውቕሮን ክልተውላዕሎን 21 መስሕባት ቱሪዝም ከምዘለውን ናብ ረብሓ ንምውዓል ምስ ህዝብን መዳርግቲ ኣካላትን ይስርሐሎም ከምዘሎን ሓላፊትቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ውቕሮ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ኣበበ ሓቢረን፡፡
 
ኣብ 2011 ዓ/ም ድማ ካብ ዑደተኛታት ወፃእን ውሽጢ ዓድን 92 ነጥቢ 6 ሚልዮን ኣታዊ ተረኺቡ ኢለን።
 
ኣብቲ ወረዳን ከባቢኡን ዘለው ታረኻዊ ቦታታት ናብ ረብሓ ንምውዓል ሐዚ ውን 12 መስሕባት መሊእኻ ምልማዕ ይተርፎም እዩ ዝበላ እተን ሓላፊት ፣ ምስ ህዝብን መዳርግቲ ኣካላትን ስራሕቲ ምዕባይ ግንዛበ ብምሃብ ሎሚ ዓመት ልዕሊ 93 ሚልዮን ብር ኣታዊ ንምረካብ ትኹረት ተገይሩ ይስረሐሉ ከምዘሎ ገሊፀን።
 
ኣብቲ ወረዳ 11 ውቅር ኣብያተ ክርስትያናት፣ 4 ጥንታውያን መስሕባት፣ 4 ቦታታት ሓድግታት ስነ ኳዕቲን 1ቤተ መንግስትን ከምዘለው ዝሓበራ እተን ሓላፊት፤ ገዳማት መድሃኒኣለም ዓዲቀሾ፣ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ፣ መስጊድ ነጋሽን ኣብነታት ምፍጣር ምችውነት ምኻኖም ገሊፀን።
 
ኣብ ዓመተ 2012 ‘ ውን ከባቢ 189 ሽሕ በፃሕቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንክመፁ ትልሚ ተታሒዙ እናሰርሕሉ ምኻኖም ኣፍሊጠን፡፡
 
እቶም ዝለምዑ ትሽዓተ መስሕባት ናይ መኪና መንገድታት ምህላዎም ነቶም ታሪኻዊ ቦታታትን ጥንታዊ ገዳማትን ዑደት ንምግባር ፅቡቅ ዕድል ምኻኑ እተን ሓላፊት ገሊፀን።
 
ታሪኽ ጥንታዊ ገዳማትን ታሪኻዊ ቦታታትን ክፈልጥ ንዝደሊ ውን ክፉታት ምኻኖም ሓቢረን፡፡
 
ብሳሙኤል ገብረታትዮስ
Comments
Loading...