Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምምሕዳር ብሔረሰብ ኣዊ ብዝበፅሐ ሓደጋ መኪና 10 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

0 37

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሔረሰብ ኣዊ ወረዳ ባንጃ ብዝበፅሐ ሓደጋ መኪና 10 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

እቲ ሓደጋ፥ ሚኒባስ ዝዓይነታ ተሽከርካሪት ካብ ባህርዳር ምስ ዝተበገሰት ኣቡቶቡስ ንጎሆ ሰዓት 12 ብምልታማ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

መበገሲ እቲ ሓደጋ ይፃረ ከምዘሎ ድማ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ትራፊክ ወረዳ ባንጃ ገሊፁ።

ብምኽኒያት እቲ ሓደጋ ገናሒ መኪና ሓዊሱ 10 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ አወን ተሓቢሩ።

Comments
Loading...